የሱስ ፡ መልሲ ፡ ናይ ፡ ጸሎተይ (Yesus Melsi Nay Tselotey)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ንዅሉ ፡ ጽሌተይ ፡ ሓደ ፡ ኽልተ ፡ ኢልካ
ኣብ ፡ መዝገብ ፡ ልንኻ ፡ ተዋህልሎ ፡ ሎኻ
ኣብቲ ፡ ድቡቕ ፡ ጊዜ ፡ ሰናይ ፡ ዝዀነለይ
ብፍቕሪ ፡ ኣብዚሕካ ፡ ትምልሽ ፡ ጸሎተይ

አዝ፦ ኢየሱስ ፡ መዕገብ ፡ ድሌተይ
የሱስ ፡ መልሲ ፡ ናይ ፡ ጸሎተይ

፪) ከም ፡ ጸሎት ፡ ዳንኤል ፡ ከም ፡ ጸሎት ፡ ናይ ፡ ሃና
ክትምልሾ ፡ ኢኻ ፡ ንጸሎተይ ፡ ከኣ
ኣሚነ ፡ ኣሎኹ ፡ ከም ፡ ዘይተውድቐኒ
ብዅሉ ፡ ጽሌተይ ፡ ከም ፡ እተዕግበኒ

አዝ፦ ኢየሱስ ፡ መዕገብ ፡ ድሌተይ
የሱስ ፡ መልሲ ፡ ናይ ፡ ጸሎተይ

፫) ጐይታ ፡ምሃረኒ ፡ ምጽባይ ፡ ብዓቕሊ
ኣብ ፡ ዝፈቐድካዩ ፡ ክሳዕ ፡ ትህብ ፡ መልሲ
ደግፈኒ ፡ ኸኣ ፡ መልሲ ፡ ንት ፡ ንትሰዶ
ብሓጐስ ፡ ብእምነት ፡ ፈትየ ፡ ክቕበሎ

አዝ፦ ኢየሱስ ፡ መዕገብ ፡ ድሌተይ
የሱስ ፡ መልሲ ፡ ናይ ፡ ጸሎተይ