የሱስ ፡ ክምለስ ፡ እዩ (Yesus Kemeles Eyu)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ካብ ፡ ርባናይ ፡ ብኽያት ፡ ካብ ፡ ጸልማት ፡ ምድርና
ትዐርፍ ፡ ነፍስና ፡ ኣብ ፡ ሑቕፈ ፡ ኣምላኽና
ሓዘንናን ፡ ጓሂናን ፡ ኲሉ ፡ ፈተናና
ክውዳእዩ ፡ ሽዑ ፡ ገጹ ፡ ምስ ፡ ርኤና

ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ክምለስ ፡ እዩ ፡ ዓብዩ ፡ ተስፋና
የሱስ ፡ ክምለስ ፡ እዩ ፡ ምሳኡ ፡ ኺወስድና

፪) ናብ ፡ ፍቅርቲ ፡ ሃገር ፡ ምስኡ ፡ይወስደና
ናብ ፡ ህላውነቱ ፡ ናብ ፡ ሓጐስ ፡ ብጽእና
ኣብኡ ፡ምስ ፡ በጻሕና ፡ምስ ፡ ኲሎም ፡ ፍቁራት
ቅዱስ ፡ ቅዱስ ፡ ኢልና ፡ ንውድስ ፡ ናኣምላኽ

ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ክምለስ ፡ እዩ ፡ ዓብዩ ፡ ተስፋና
የሱስ ፡ ክምለስ ፡ እዩ ፡ ምሳኡ ፡ ኺወስድና

፫) ንገሥግስ ፡ ንቕድሚት ፡ ናተጸናናዕና
ኣርማ ፡ ናይ ፡ ምድሓንና ፡ ቅድሜና ፡ ኣምሪሕና
ንዝደሓንናሉ ፡ ክቡር ፡ ሥም ፡ የሱስና
ኣኽቢርና ፡ ንሓዞ ፡ ክሳዕ ፡ ዝመጸና

ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ክምለስ ፡ እዩ ፡ ዓብዩ ፡ ተስፋና
የሱስ ፡ ክምለስ ፡ እዩ ፡ ምሳኡ ፡ ኺወስድና

፬) ርድእና ፡ ዎ ፡ የሱስ ፡ ብፍቕሪ ፡ ብእምነት
ክንነብር ፡ ጸኒዕና ፡ ኽሳዕ ፡ እትምለስ
ደሚቑ ፡ ብርሃንና ፡ ነጺሁ ፡ ልብስና
ብጸሎት ፡ ብቓልካ ፡ክንጸንሕ ፡ ነቒህና

ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ክምለስ ፡ እዩ ፡ ዓብዩ ፡ ተስፋና
የሱስ ፡ ክምለስ ፡ እዩ ፡ ምሳኡ ፡ ኺወስድና