ዎ ፡ እሙን ፡ ኣገልጋሊ (Wo Emun Agelgali)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ዎ ፡ እሙን ፡ ኣገልጋሊ ፡ ትጽዕት ፡ ዘሎኻ
ይድንጒ ፡ ደኣ ፡ እምበር ፡ ዓወት ፡ እዩ ፡ ናትካ
ኲሉ ፡ ሃረር ፡ እትብሎ ፡ ድሌት ፡ ናይ ፡ ልብኻ
አብቲ ፡ ጽቡቕ ፡ ፍቓደይ ፡ ምላሽ ፡ እሰደልካ

፪) ዎ ፡ እሙን ፡ ኣገልጋሊ ፡ ተስፋ ፡ ኸይቈረጽካ
ብምውቕ ፡ ውኡይ ፡ ትግሃት ፡ ኣገልግል ፡ በርቲዕካ
ብሕይወት ፡ ኰን ፡ ብቃል ፡ ኣብነት ፡ ናኾንካ
ናብ ፡ መስቀለይ ፡ ምርሓያን ፡ ንዅለን ፡ ዝጠፋኣ

፫) ዎ ፡ እሙን ፡ ኣገልጋሊ ፡ ኣይኰንካን ፡ በይንኻ
ክትወጽእኒ ፡ ክትኣቱን ፡ ኦሎኹ ፡ ምሳኻ
ኣነ ፡ዘይፈቐድኩሉ ፡ ፍፁም ፡ ነይ ፡ መጸካ
ብጓሂ ፡ ዀነ ፡ሓጐስ ፡ በል ፡ ይኹን ፡ ፍቓድካ

፬) ዎ ፡ እሙን ፡ ኣገልጋሊ ፡ ኣማዕዱ ፡ ኣርሒ ፡ ቕካ
እትነብረሉ ፡ ማሕደር ፡ ተዳሎ ፡ ንኣካ
ግዜ ፡ ኣገልግሎትካ ፡ ኲሉ ፡ ምስ ፡ ፈጸምካ
ክመጽእየ ፡ ፍቁረይ ፡ ናብኡ ፡ ኽወስደካ