ወይ ፡ ክንደይ ፡ ጥዑም ፡ ዕድል (Wey Kendey Teum Edel)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ወይ ፡ ክንደይ ፡ ጥዑም ፡ ዕድል ፡ ካብ ፡ ሓጥያት ፡ ሓርነት
   ምስ ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ ፡ ምንባር ፡ ምርካብ ፡ ሓድሽ ፡ ሕይወት
   ሓጎስ ፡ ሰላም ፡ መሊእካ፡ ናብ ፡ ሰማይ ፡ ምግስጋስ
   ወይ ፡ ክንደይ ፡ ጥዑም ፡ ዕድል ፡ ምዃን ፡ ውሉድ ፡ ኣምላኽ

፪) ወይ ፡ ጥዑም ፡ ዕድል ፡ ምስ ፡ ኩላ ፡ ማ ፡ ም ፡ ኣሕዋት
   ተኣማሚንካ ፡ ምንባር ፡ ኣብ ፡ ደምበ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽ
   ፍቕሪ ፡ ዓቕሊ ፡ መሊእካ ፡ ብሓደ ፡ ምግዋር
   ወይ ፡ ክንደይ ፡ ጥዑም ፡ ዕድል ፡ ብሓድነት ፡ ምንባር

፫) ወይ ፡ ክንደይ ፡ ጥዑም ፡ ዕድል ፡ እንተኾነ ፡ ወራሲኣብ
   መዋርስቱ ፡ ንየሱስ ፡ ኣብ ፡ ሃገር ፡ ብጽኣን
   ሓጎስ ፡ ሰላም ፡ መሊእካ ፡ ኣብ ፡ ዙርያ’ቲ ፡ ዝፋን
   ወይ ፡ ክንደይ ፡ ጥዑም ፡ ዕድል ፡ ኣምላኽ ፡ ምስጋን