ቲ ፡ ኽቡር ፡ መስቀል ፡ ናይ ፡ ጐይታይ (Ti Kebur Mesqel Nay Goytay)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ቲ ፡ ኽቡር ፡ መስቀል ፡ ናይ ፡ ጐይታይ
ጽኑዕ ፡ ድልድል ፡ እዩ ፡ ንአይ
ካብ ፡ ሓጢያት ፡ ዝሳገረሉ
ናብ ፡ ምጽሓንውን ፡ ዝበጽሓሉ

ተደጋሚ፦ 'ቲ ፡ ኽቡር ፡ መስቀል ፡ ናይ ፡ ጐይታይ
ክብረተይ ፡ እዩ ፡ ዕላማይ

፪) ቲ ፡ ኽቡር ፡ መስቀል ፡ ናይ ፡ ጐይታይ
ክቡር ፡ ስልማትዩ ፡ ናኣይ
ኣይሓፍርን ፡ እስከሞ
መለዮይ ፡ከኣ ፡ እገብሮ

ተደጋሚ፦ 'ቲ ፡ ኽቡር ፡ መስቀል ፡ ናይ ፡ ጐይታይ
ክብረተይ ፡ እዩ ፡ ዕላማይ

፫) ብዙሓት ፡ ዘሚሮምሉ
ብዙሓት ፡ ጽሒፎምሉ
ገና ፡ ግን ፡ ኣይተወድኤን
ከምኡ ፡ድማ ፡ ኣይተጸግበን

ተደጋሚ፦ 'ቲ ፡ ኽቡር ፡ መስቀል ፡ ናይ ፡ ጐይታይ
ክብረተይ ፡ እዩ ፡ ዕላማይ

፬) ኣሽሓት ፡ ዓመታት ፡ ኮይኑ
የሱሰይ ፡ ካብ ፡ ዝሞተሉ
ገና ፡ ኣየጥፋኤን ፡ ሓይሉ
ይነብርውን ፡ ሕያው ፡ ኰይኑ

ተደጋሚ፦ 'ቲ ፡ ኽቡር ፡ መስቀል ፡ ናይ ፡ ጐይታይ
ክብረተይ ፡ እዩ ፡ ዕላማይ

፭) ዘልኣለማዊዩ ፡ሓይሉ
ፍጹም ፡ መሰታ ፡ ዘይብሉ
ኰሎም ፡ ጸላእቱ ፡ ስዒሩ
ይነብር ፡ ኣሎ ፡ ደሚቑ

ተደጋሚ፦ 'ቲ ፡ ኽቡር ፡ መስቀል ፡ ናይ ፡ ጐይታይ
ክብረተይ ፡ እዩ ፡ ዕላማይ