ጠምት ፡ ናብ ፡ የሱስካ (Temt Nab Yesuska)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ካብ ፡ መቑሕ ፡ ሓጥያት ፡ ክትወጽእ ፡ ሓራ
   ጠምት ፡ ናብ ፡ የሱስካ
   መታን ፡ ክድሕን ፡ ሓጥእ ፡ ነፍስኻ
   ሞተ ፡ ኣብ ፡ ክንዳኻ

ተደጋሚ፦ ጠምት ፡ ናብ ፡ የሱስካ ፡ ርአ ፡ ተሰቕለልካ
መታን ፡ ከድሕን ፡ ሓጥእ ፡ ነፍስኻ ፡ ሞተ
ኣብ ፡ ጎልጎታ

፪) ፈተና ፡ ሰይጣን ፡ እንተ ፡ በርትዐ
   ጠምት ፡ ናብ ፡ ጎልጎታ
   ብጸጋ ፡ ሓይሉ ፡ ክትዕወት ፡ ኢኻ
   ጎይታ ፡ ከምዘለካ

ተደጋሚ፦ ጠምት ፡ ናብ ፡ የሱስካ ፡ ርአ ፡ ተሰቕለልካ
መታን ፡ ከድሕን ፡ ሓጥእ ፡ ነፍስኻ ፡ ሞተ
ኣብ ፡ ጎልጎታ

፫) እቲ ፡ መገሻ ፡ ምስ ፡ ዝነውሓካ
   ብዕዮ ፡ ደኺምካ
   ጸጋ ፡ ኣምላኽና ፡ የበርትዓካ
   ተኣመን ፡ ፈጺምካ

ተደጋሚ፦ ጠምት ፡ ናብ ፡ የሱስካ ፡ ርአ ፡ ተሰቕለልካ
መታን ፡ ከድሕን ፡ ሓጥእ ፡ ነፍስኻ ፡ ሞተ
ኣብ ፡ ጎልጎታ

፬) መገድኻ ፡ እንተ ፡ ጸልመተካ
   ኣይትፍራህ ፡ ኣጆኻ
   ብሓጎስ ፡ ኮነ ፡ ኣብቲ ፡ ሽጋርካ
   ኣሎ ፡ መዕቆቢኻ

ተደጋሚ፦ ጠምት ፡ ናብ ፡ የሱስካ ፡ ርአ ፡ ተሰቕለልካ
መታን ፡ ከድሕን ፡ ሓጥእ ፡ ነፍስኻ ፡ ሞተ
ኣብ ፡ ጎልጎታ