ተመስገን ፡ ኣምላኸይ (Temesgen Amlakey)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) የሱስ ፡ ንዓይ ፡ ክብል ፡ ብዙሕ ፡ ተጨነቐ
ኣብ ፡ ክንዳይ ፡ ሓሊፉ ፡ ህይወተይ ፡ ኣድሓነ
ሽግረይ ፡ ወሲዱ ፡ ንህይወተይ ፡ መርሐ
ክብረቱ ፡ ሓዲጉ ፡ ሓዘነይ ፡ ወሰደ

ተደጋሚ፦ ተመስገን ፡ ኣምላኸይ ፡ ምሕረት ፡ ረኺበ’የ
ብጸጋ ፡ መሊእ ፡ ከመስግነካ’የ (፪x)

፪) ካብ ፡ ድኻመይ ፡ ኩሉ ፡ የሱስ ፡ ረዲኡኒ
ካብ ፡ ናይ ፡ ሞት ፡ መከራ ፡ ሓራ ፡ ኣውጺኢኒ
ጭንቀተይ ፡ ርእዩ’ውን ፡ ኣብ ፡ ክንዳይ ፡ ሓዘነ
ንህይወተይ ፡ ከድሕን ፡ ኣብቲ ፡ መስቀል ፡ ሞተ

ተደጋሚ፦ ተመስገን ፡ ኣምላኸይ ፡ ምሕረት ፡ ረኺበ’የ
ብጸጋ ፡ መሊእ ፡ ከመስግነካ’የ (፪x)

፫) ካብ ፡ ሓጢኣት ፡ ከምልጥ ፡ የሱስ ፡ ረዲኡኒ
ንዕኡ ፡ ክኽተሎ ፡ ፍቕሩ ፡ መሊኡኒ
ሕስራነይ ፡ ለቢሱ ፡ ክብረት ፡ ኣልቢሱኒ
ብኹሉ ፡ ተጸልአ ፡ ንዓይ ፡ ከድሕነኒ

ተደጋሚ፦ ተመስገን ፡ ኣምላኸይ ፡ ምሕረት ፡ ረኺበ’የ
ብጸጋ ፡ መሊእ ፡ ከመስግነካ’የ (፪x)

፬) ኣብ ፡ ዓለም ፡ ክነብር ፡ መን’ዩ ፡ ሓላውየይ
ካብ ፡ ውድቀተይ ፡ ኩሉ ፡ ኣምላኽ ፡ ረዳእየይ
ምስ ፡ ሓጢኣተይ ፡ ኩሉ ፡ ኣምላኽ ፡ ደለየኒ
ረዳእየይ ፡ ኮይኑ ፡ ጸጋኡ ፡ ሃበኒ

ተደጋሚ፦ ተመስገን ፡ ኣምላኸይ ፡ ምሕረት ፡ ረኺበ’የ
ብጸጋ ፡ መሊእ ፡ ከመስግነካ’የ (፪x)