ስምካ ፡ ጸዊዐ ፡ ኣይሓፈርኩን (Semka Tsewia Ayhaferkun)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩)ሓጥያተይ ፡ ብዙሕ ፡ ነይሩ ፡ ኣምላኽ ፡ ደምሲስካለይ
  ድኻመይ ፡ ጉድለተይ ፡ ባዕልኻ ፡ መሊእካለይ
  እንታይ ፡ እየ ፡ ዝገብረልካ ፡ እንታይ ፡ እየ ፡ ዝኸፍለካ
  ተመስገን ፡ ጥራይ ፡ እብለካ (፪x)

ተደጋሚ፦ ስምካ ፡ ጸዊዐ ፡ ኣይሓፈርኩን
ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ መልሰለይ
ነዛ ፡ ድኽምቲ ፡ ጸሎተይ ፡ ስማዕ
ከም ፡ ቃልካ ፡ ወስኸለይ (፪x)

፪)ንልበይ ፡ ናብ ፡ ላትካ ፡ ምርሓዮ ፡ የሱሰይ
  ንብዓተይ ፡ ካብ ፡ ምርኣይ ፡ ከንቱ ፡ ባዕልኻ ፡ ምለሰን
  ዝከኣለኒ ፡ መታን ፡ ክገብር ፡ ብትእዛዝካ ፡ ክመላለስ
  ዎ ፡ ኣምላኽ ፡ ባዕልኻ ፡ ኣኽእለኒ

ተደጋሚ፦ ስምካ ፡ ጸዊዐ ፡ ኣይሓፈርኩን
ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ መልሰለይ
ነዛ ፡ ድኽምቲ ፡ ጸሎተይ ፡ ስማዕ
ከም ፡ ቃልካ ፡ ወስኸለይ (፪x)

፫)ንምግዱርን ፡ ዘኽታምን ፡ ኣምላኽ ፡ በይነሎም
  ንጭኑቕን ፡ ምስኪንን ፡ ፍትሒ ፡ ኣውጸኣሎም
  ጭንቀት ፡ ልቦም ፡ ዝዓዘዞም ፡ ቃንዛ ፡ ልቦም ፡ ዝበርተዖም
  ዎ ፡ ኣምላኽ ፡ ንስኻ ፡ ኣርህወሎም (፪x)

ተደጋሚ፦ ስምካ ፡ ጸዊዐ ፡ ኣይሓፈርኩን
ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ መልሰለይ
ነዛ ፡ ድኽምቲ ፡ ጸሎተይ ፡ ስማዕ
ከም ፡ ቃልካ ፡ ወስኸለይ (፪x)

፬) ብምሕረት ሃብታም ኢኻ ኣንታ ርሕሩሕ የሱስ ፡
  ንምድሪ ተመልከታ ብምሕረትካ ኣታ ቅዱስ፡
  ተንስእ ፡ ንምድሪ ፡ ፍረዳ ፡ ተንስእ ፡ ምድሪ ፡ ጠምታ
   ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ ህይወት ፡ ሃበና (፪x)

ተደጋሚ፦ ስምካ ፡ ጸዊዐ ፡ ኣይሓፈርኩን
ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ መልሰለይ
ነዛ ፡ ድኽምቲ ፡ ጸሎተይ ፡ ስማዕ
ከም ፡ ቃልካ ፡ ወስኸለይ (፪x)