ሰላም ፡ ንምርካብ (Selam Nmrkab)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ዘሎና ፡ ዕረፍቲ ፡ ብዝሒ ፡ ሰላምና
    ኣይኮነን ፡ ዓስቢ ፡ ፍረ ፡ ናይ ፡ ስራሕና
    ግናኸ ‘ቲ ፡ ንየሱስ ፡ ጎይታ ፡ ዝሃበና
    ምስኡ ፡ ድማ ፡ ሰላሙ ፡ ኣብዝሓልና

አዝ፦ ሰላም ፡ ንምርካብ ፡ ብዙሕ ፡ ኣይጸዓርናን
ዓቐብ ፡ ደይብና ፡ ቁልቁል ፡ ኣይወረድናን
ንጎይታ ፡ የሱስ ፡ ምስ ፡ ተቐበልና
(‘ናይ ፡ ሰላም ፡ ንጉስ ፡ የሱስ ፡ ምስ ፡ ረኸብና’)
ምስኡ ፡ ኩሉ ፡ በዝሓልና (፪x)

፪) ዘይምሽባርና ፡ ዘይምስንባድና
  ካባና ፡ ኣይኮነን ፡ ብዝሒ ፡ ትብዓትና
  የሱስ ፡ ስለዝኾነ ፡ ሰላምና
  ንነብር ፡ ኣብ ፡ ኩሉ ፡ ልብና ፡ ኣህዲእና

አዝ፦ ሰላም ፡ ንምርካብ ፡ ብዙሕ ፡ ኣይጸዓርናን
ዓቐብ ፡ ደይብና ፡ ቁልቁል ፡ ኣይወረድናን
ንጎይታ ፡ የሱስ ፡ ምስ ፡ ተቐበልና
(‘ናይ ፡ ሰላም ፡ ንጉስ ፡ የሱስ ፡ ምስ ፡ ረኸብና’)
ምስኡ ፡ ኩሉ ፡ በዝሓልና (፪x)

፫) ኣይኮነን ፡ ብውግእ ፡ ብብዝሒ ፡ ሞት
    ኣይኮነን ፡ ብዘተ ፡ ብዙሕ ፡ ኣኼባታት
   ካብ ላዕሊ ፡ እዩ ፡ ዝርከብ ፡ ብእምነት
   ስለ ፡ ዝኾነ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽ ፡ ውህበት

አዝ፦ ሰላም ፡ ንምርካብ ፡ ብዙሕ ፡ ኣይጸዓርናን
ዓቐብ ፡ ደይብና ፡ ቁልቁል ፡ ኣይወረድናን
ንጎይታ ፡ የሱስ ፡ ምስ ፡ ተቐበልና
(‘ናይ ፡ ሰላም ፡ ንጉስ ፡ የሱስ ፡ ምስ ፡ ረኸብና’)
ምስኡ ፡ ኩሉ ፡ በዝሓልና (፪x)