ቃልካ ፡ ንእግረይ ፡ መብራህቲ (Qalka Neegrey Mebrahti)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ቃልካ ፡ ንእግረይ ፡ መብራህቲ ፡ ንመንገደይ ፡ ብርሃን
   ካብዛ ፡ ሽጋር ፡ ጸልማት ፡ ዓለም ፡ ብእኡ’ኣቱ ፡ ደሓን
   ነፍሰይ ፡ ደስ ፡ ይብላ ፡ ብቓልካ ፡ ተመስግነካ

፪) ቃልካ ፡ ዘልኣለም ፡ ነባሪ ፡ ኣብ ፡ ሰማይ ፡ ኣብ ፡ ምድሪ
   ሓይሊ ፡ ስልጣኑ ፡ ድማኢ ፡ ንኹሉ ፡ ዘሎ ፡ ጸዋሪ
   ነፍሰይ ፡ ትእመን ፡ ብቓልካ ፡ የናብራ ፡ ኸኣ

፫) ቃልካ ፡ ዘልኣለም ፡ ኣብ ፡ ሰማይ ፡ ጸኒዑ ፡ ይነብር
   ሰማይን ፡ ምድርን ፡ ክሓልፍ ፡ ቃልካ ፡ ግን ፡ ከቶ ፡ ነይኣርግ
   ነፍሰይ ፡ ትምርኮስ ፡ ኣብ ፡ ቃልካ ፡ ንሱ’ዩ ፡ ደገፋ

፬) ቃልካ ህያው’ዩ፡ መስለጢ፡ ዝበልሕ ካብ ሰይፊ፡
   ነፍስን መንፈስን ኣካልን ክሳዕ ዝፈሊ ዝሰጥም፡
   ነፍሰይ ፡ ትሕበን ፡ ብቓልካ ፡ ንሱ’ዩ ፡ ዋልታኣ