ቃልካ ፡ ከም ፡ ስፍራ ፡ ኣታኽልቲ (Qalka Kem Sefra Atakhlti)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ቃልካ ፡ ከም ፡ ሥፍራ ፡ ኣታኽልቲ ፡ ኩሉ ፡ ዝርከቦ
   ክወስድ ፡ ዝደሊ ፡ ኩሉ ፡ ክቕንጥብ ፡ ትህቦ
   ቃልካ ፡ ከም ዓሚቕ ፡ ስፍራ ፡ ማዕድን ፡ ኢዩ
   ንኹሎም ፡ ዝምርምርዎ ፡ ሕቡእ ፡ ወርቂ’ለዎ

፪) ቃልካ ፡ ከም ፡ ሰራዊት ፡ ጠፈር ፡ ምስ ፡ ሽሕ ፡ ነጸብራቖም
   ይመርሕ ፡ ነቲ ፡ ገያሻይ ፡ ጸልማቱ ፡ የርሕቖ
   ቃልካ ፡ ከም ፡ ጽቡቕ ፡ ዕጥቂ ፡ ንወትሃደር ፡ ኢዩ
   ንኽፉእ ፡ ርሱን ፡ መንትግ ፡ ከጥቅዓሉ ፡ ይኽእል

፫) ከፍቅሮ ፡ ንኽቡር ፡ ቃልካ ፡ ዕምቆቱ ፡ ክረክብ
   ድሙቕ ብርሃን ፡ ልኣኸለይ ፡ ዕምባቡ ፡ ክቕንጥብ
   ዕጥቀይ ፡ ኮይኑ ፡ ክረኽቦ ፡ ዋልታይ ፡ ድማ ፡ ክገብር
   ተዋጊአ ፡ ንኹሉ ፡ ሓይሊ ፡ ጸልማት ፡ ክስዕሮ