ንዓይሲ ፡ ይሕሸኒ (Neaysi Yehsheni)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ንዓይሲ ፡ ይሕሸኒ ፡ ካብ ፡ ኣእላፋት ፡ ወርቂ
   ኣብ ፡ ቤትካ ፡ ምሳኻ ፡ የሱስ ፡ ጸሓይ ፡ ጽድቂ
   ብዛሕሊ ፡ ምቖተይ ፡ ብውግእ’ውን ፡ ጸግዐይ
   ንዓይሲ ፡ ይሕሸኒ ፡ ምሳኻ ፡ የሱሰይ

፪) ኣይፍለን’የ ፡ ኣነስ ፡ እጠብቕ ፡ ናባኻ
   ባህታ ፡ ኮነ ፡ ሓዘን ፡ ጥዑም’ዩ ፡ ምሳኻ
   ኣስኣሰርካ ፡ ‘ኸይድ ፡ ናብ ፡ ዝመራሕካኒ
   ኣሚነ ፡ ኣሎኹ ፡ ከም ፡ ዘይተውድቐኒ

፫) ዘይትጠልም ፡ ዓርኪ ፡ ተመስገን ፡ ተመስገን
   ተብጽሓኒ ፡ ኢኻ ፡ ናብ ፡ ፍቅርቲ ፡ ሃገር
   ክዝምር’የ ፡ ሽዑ ፡ ምስ ፡ ኩሎም ፡ ዕዱጋት
   እሙን ፡ ከም ፡ ዝኾንካ ፡ ዎ ፡ ንጉስ ፡ ሰማያት