ናብ ፡ ትብለኒ ፡ እኸይድ (Nab Tebleni Ekheyed)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ምናልባት ፡ ኣብ ፡ ነዋሕቲ ኣኽራን
   ወይ ፡ ማዕበላት ፡ ናይ ፡ ባሕሪ
   ብርቱዕ ፡ ሰይፊ’ውን ፡ ኣይከውንን ፡ ጎይታ ፡ ኣብ ፡ ዝደለየኒ
   ህዱእ ፡ ድምጹ ፡ ሰሚዔ ፡ ክስዕቦ ፡ ብዘይፈልጦ ፡ መገዲ
   መልሰይ ፡ እዚ ፡ እዩ ፡ ዎ ፡ ኽቡር ፡ ጎይታይ፡ ባዕልኻ ፡ ምርሓኒ

ተደጋሚ፦ ናብ ፡ ትብለኒ ፡ እኸይድ ፡ ጎይታ ፡ ጎልጎል
ባሕሪ ፡ ወይ ፡ ኣኽራን ፡ እትደልዮ ፡ ክብል
ዎ ፡ ኽቡር ፡ ጎይታ ፡ ኣኽእል ፡ ንባርያኻ

፪) ካብ ፡ ጥፍኣት ፡ መታን ፡ ክትምለስ ፡ እታ ፡ ትእብስ ፡ ነፍሲ
   ብኣይ ፡ ጌርካ ፡ ትዛረቦ ፡ ቃል ፡ ዝርከቦ ፡ ጽድቂ
   መገደይ ፡ እንተጸልመተ ፡ ጎይታይ ፡ ባዕልካ ፡ ምርሓኒ
   ቃልካ ፡ ክነግር ፡ ንዘይሰምዔት ፡ ነፍሲ ፡ ሓይልኻ ፡ ሃበኒ

ተደጋሚ፦ ናብ ፡ ትብለኒ ፡ እኸይድ ፡ ጎይታ ፡ ጎልጎል
ባሕሪ ፡ ወይ ፡ ኣኽራን ፡ እትደልዮ ፡ ክብል
ዎ ፡ ኽቡር ፡ ጎይታ ፡ ኣኽእል ፡ ንባርያኻ

፫) ቦታ ፡ ኣሎ ፡ ቀውዑ ፡ ዝበጽሔ ፡ ኣብዛ ፡ ሰፋሕ ፡ ምድርና
   በዚ ፡ ሓጺር ፡ ዕድሜና ፡ ንስራሕ ፡ ነቲ ፡ ዝሞተልና
   ኣብ ፡ ሓልዮቱ ፡ ተወኪልና ፡ ብፍቕሩ ፡ ጸኒዕና
   ፍቓዱ ፡ ንግበር ፡ ብምሉእ ፡ ልብና ፡ ንወፊ ፡ ህይወትና

ተደጋሚ፦ ናብ ፡ ትብለኒ ፡ እኸይድ ፡ ጎይታ ፡ ጎልጎል
ባሕሪ ፡ ወይ ፡ ኣኽራን ፡ እትደልዮ ፡ ክብል
ዎ ፡ ኽቡር ፡ ጎይታ ፡ ኣኽእል ፡ ንባርያኻ