ምሥጋና ፡ ምሥጋና (Mesgana Mesgana)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ምድሪ ፡ ክትጽልምት ፡ ብርሃና
   ጥሜት ፡ ክጸንዕ ፡ ጽጋብና
   ኣብ ፡ ግዜ ፡ ቅብጸት ፡ ተስፋና
   ኣብ ፡ ሂ ፡ ምጽንናዕና

ተደጋሚ፦ ምስጋና ፡ ምስጋና
ንኣኻ ፡ ይኹን ፡ ምስጋና
ንስቓይ ፡ ዘይሓደግካና
(ኣምላኽ ፡ ሓርነት ፡ ሰላምና)

፪) ህዝቡ ፡ መሪሑ ፡ ዘንቀለ
   ንባሕሪ ፡ ኣብ ፡ ክልተ ፡ ዚመቐለ
   ንናቱ ፡ ብደሓን ፡ ዘስገረ
   ንተጻረርቶም ፡ ግን ፡ ዘጥሓለ

ተደጋሚ፦ ምስጋና ፡ ምስጋና
ንኣኻ ፡ ይኹን ፡ ምስጋና
ንስቓይ ፡ ዘይሓደግካና
(ኣምላኽ ፡ ሓርነት ፡ ሰላምና)

፫) ሎሚ ፡ ሓያል’ዩ ፡ ንብሎ
    ጽባሕ ፡ ኣብ ፡ ቦታኡ ፡ ክንስእኖ
   ኣምላኽና ፡ ግና ፡ ኣብ ፡ ዝፋኑ
   ክፍራህ ፡ ይነብር ፡ በይኑ

ተደጋሚ፦ ምስጋና ፡ ምስጋና
ንኣኻ ፡ ይኹን ፡ ምስጋና
ንስቓይ ፡ ዘይሓደግካና
(ኣምላኽ ፡ ሓርነት ፡ ሰላምና)

፬) ንእግዚኣብሄር ንዘምር
   ምድሓኑ ኣብ ኩሉ ነበስር
   ንምውዳሱ ንበርትዕ፡
   ያሪኮ ፡ ክፈርስ ፡ ነውክዕ

ተደጋሚ፦ ምስጋና ፡ ምስጋና
ንኣኻ ፡ ይኹን ፡ ምስጋና
ንስቓይ ፡ ዘይሓደግካና
(ኣምላኽ ፡ ሓርነት ፡ ሰላምና)