ምሳይ ፡ ንበር (Mesay Neber)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ምሳይ ፡ ንበር ፡ ኣብ ፡ ግዜታት ፡ ህይወተይ
   ምሳይ ፡ ንበር ዎ ፡ እሙን ፡ ረዳኢ
   ብዘይካኻ ፡ ነይብለይ ፡ ሓጋዚ
   ቅረበኒ ፡ ዎ ፡ ጥንቁቕ ፡ ሓላዊ

ተደጋሚ፦ ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ ከም ፡ ተስፋኻ ፡ ቅረበኒ
ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ መጸግዒየይ ፡ ኩነኒ

፪) ምሳይ ፡ ንበር ፡ ኣብ ፡ ኩሉ ፡ ውግአይ
   ብጸጋኻ ፡ ኣበርትዕ ፡ እምነተይ
   ከሰንፎ ፡ ንሕሱም ፡ ጸላእየይ
   ክቕበል’ውን ፡ ካባኻ ፡ ኣኽሊለይ

ተደጋሚ፦ ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ ከም ፡ ተስፋኻ ፡ ቅረበኒ
ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ መጸግዒየይ ፡ ኩነኒ

፫) ምሳይ ፡ ንበር ፡ ብጽእና ፡ ፈነዋይ
   ብዓወት ፡ ክድምድሞ ፡ ኩሉ ፡ ናብራይ
   ንርባ ፡ ሞት ፡ ብደሓን ፡ ኣሳጊርካ
   ዎ ፡ ረዳኢ ፡ ክኣቱ ፡ ኣብ ፡ ሰላምካ
 
ተደጋሚ፦ ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ ከም ፡ ተስፋኻ ፡ ቅረበኒ
ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ መጸግዒየይ ፡ ኩነኒ