ክብሪ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽና (Kbri Nai Amlakhna)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ብእምነት ፡ ክንጉዓዝ ፡ ኣኽእለና
  ሓይልኻ ፡ ክንርኢ ፡ ደስ ፡ ክብለካ ፡ ብኣና
  ዝሃብካና ፡ ተስፋ ፡ ቃልካ ፡ ዝምስክሮ
  ደግፈና ፡ ኢኻ ፡ ብእምነት ፡ ክንገብሮ

ተደጋሚ፦
ክብሪ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽና
ኣብ ፡ ማእከል ፡ ንብረትና
ቀጽሪ ፡ ሓዊ ፡ እዩ ፡ ኣብ ፡ ዙርያ ፡ እምነትና

፪) ፈተናና ፡ ኩሉ ፡ ብእምነት ፡ ነውድቖ
   ከም ዕርዲ ፡ ያሪኮ ፡ ብቓልካ ፡ ነውድቖ
   ሰይጣን ፡ ከፍርሃና ፡ ይጓዝም ፡ ኩሉ ፡ ሳዕ
   እምነትና ፡ ደግፍ ፡ ደው ፡ ክንብል ፡ ብትብዓት

ተደጋሚ፦
ክብሪ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽና
ኣብ ፡ ማእከል ፡ ንብረትና
ቀጽሪ ፡ ሓዊ ፡ እዩ ፡ ኣብ ፡ ዙርያ ፡ እምነትና
           
 ፫) ኣብዚ ፡ ሓጺር ፡ ግዜ ፡ መወዳእታ ፡ እዋን
   እምነትና ፡ ይፍተን ፡ ብኹሉ ፡ ኩርንዓት
   ጸላኢ ፡ ይተግህ ፡ የጽብብ ፡ ይፍክር
   ክብሪ ፡ ንኣምላኽና ፡ ብደሙ ፡ ንስዕር

ተደጋሚ፦
ክብሪ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽና
ኣብ ፡ ማእከል ፡ ንብረትና
ቀጽሪ ፡ ሓዊ ፡ እዩ ፡ ኣብ ፡ ዙርያ ፡ እምነትና

፬) ሳላ ፡ ደም’ቲ ፡ ገንሸል ፡ ሳላ ፡ ቃል ፡ ኣምላኽና
   ንገበል ፡ ናይ ፡ ጥንቲ ፡ ብዓወት ፡ ስዒርና
   ስልጣንን ፡ ምድሓንን ፡ ናይ ፡ ዕዉት ፡ ጎይታና
   ኣሰሩ ፡ ክንስዕብ ፡ ስየ ፡ ዓወት ፡ ሒዝና
            
ተደጋሚ፦
ክብሪ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽና
ኣብ ፡ ማእከል ፡ ንብረትና
ቀጽሪ ፡ ሓዊ ፡ እዩ ፡ ኣብ ፡ ዙርያ ፡ እምነትና