ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ (Idka Tehelefo Hewetey)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

ተደጋሚ፦ ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ
ከምብሓድሽ ፡ ይስራሕ ፡ ውሽጠይ
ዓለም ፡ ትፍለጥ ፡ ናትካ ፡ ምዃነይ
ኣብርሃኒ ፡ ይድመቕ ፡ ብርሃነይ

፩) ሕሱር ፡ ዝኾነ ፡ ዛንታይ ፡ ተቐይሩ
ዓለም ፡ ክትብል ፡ ቀደም ፡ ናተይ ፡ ኔሩ
ሕጂ ፡ ግን ፡ ካብ ፡ መፈንጠራይ ፡ ኣምሊጡ
ናይ ፡ የሱስ ፡ ኮይኑ ፡ ፍጹም ፡ ተለዊጡ

ተደጋሚ፦ ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ
ከምብሓድሽ ፡ ይስራሕ ፡ ውሽጠይ
ዓለም ፡ ትፍለጥ ፡ ናትካ ፡ ምዃነይ
ኣብርሃኒ ፡ ይድመቕ ፡ ብርሃነይ

፪) ከም ፡ ያዕቆብ ፡ ብኢድካ ፡ ተሰቢረ
ብዛዕባ ፡ ሕወተይ ፡ ሓቂ ፡ መስኪረ
ናይ ፡ ውርደት ፡ ስመይ ፡ ካባይ ፡ ተቐንጥጡ
ክርእዩ ፡ ፡ ውሽጠይ ፡ ፍፁም ፡ ተለዊጡ

ተደጋሚ፦ ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ
ከምብሓድሽ ፡ ይስራሕ ፡ ውሽጠይ
ዓለም ፡ ትፍለጥ ፡ ናትካ ፡ ምዃነይ
ኣብርሃኒ ፡ ይድመቅ ፡ ብርሃነይ

፫) ናተይ ፡ ዝኾነ ፡ ንድሕሪት ፡ ፡ ደርብየ
ዘላኣለማዊ ፡ ክብሪ ፡ ሰማይ ፡ ሓርየ
ከገልግለካ ፡ የሱስ ፡ ብፍታወይ
ሕያወይቲ ፡ ኢድካ ፡ ትሕለፍ ፡ ብሂወተይ

ተደጋሚ፦ ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ
ከምብሓድሽ ፡ ይስራሕ ፡ ውሽጠይ
ዓለም ፡ ትፍለጥ ፡ ናትካ ፡ ምዃነይ
ኣብርሃኒ ፡ ይድመቕ ፡ ብርሃነይ

፬) ብፍረ ፡ መንፈስ ፡ ቅዱስ ፡ ተሰሊመ
ቆጽላ ፡ ከምዘይረግፍ ፡ ሩባ ፡ ለምሊመ
ዝገብሮ ፡ ኹሉ ፡ መታን ፡ ክሰልጠኒ
ንቑሕ ፡ ክኸውን ፡ ኢድካ ፡ ትሕለፈኒ

ተደጋሚ፦ ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ
ከምብሓድሽ ፡ ይስራሕ ፡ ውሽጠይ
ዓለም ፡ ትፍለጥ ፡ ናትካ ፡ ምዃነይ
ኣብርሃኒ ፡ ይድመቕ ፡ ብርሃነይ