ሃሌሉያ ፡ ውዳሴ (Hallelujah Wedasie)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ኣብ ፡ ገምገም ፡ ጸልማት ፡ ከለኹ ፡ የሱስ ፡ ጸውዓኒ
   ካብ ፡ መዓሙቕ ፡ ሓጥያት ፡ ኣውጺ ፡ ዉሉዱ ፡ ገይሩኒ
   ቃላት ፡ ይሓጽረኒ ፡ ኢዩ ፡ መሊአ ፡ ፍቕሩ ፡ ክገልጾ
   ካልእ ፡ ሓንቲ ፡ የብለይኒ ፡ ምስጋናይ ፡ እህቦ

ተደጋሚ፦ ሃሌሉያ ፡ ውዳሴ ፡ ክብሪ ፡ ኣሜን ፡ ኣሜን ፡ ንመድሓኒ
ስግደት ፡ ስልጣን ፡ ምስ ፡ ኩሉ ፡ ክብሪ ፡ ንየሱሰይ ፡ ዝመርሓኒ

፪) ዝፈልጦ ፡ ካልእ ፡ ነይብለይ ፡ ዚትክእ ፡ የሱሰይ
   ሓጎሰይ ፡ ወሰን ፡ የብሉን ፡ ናይ ፡ የሱስ ፡ ምኻነይ
   ክገልጾ ፡ ኣይሓፍርን’የ ፡ ህይወተይ ፡ እዩ ፡ ሓበነይ
   የሱስ ፡ ህያው ፡ መድሓንየ'ይ ፡ እምስክር ፡ ካብ ፡ ውሽጠይ

ተደጋሚ፦ ሃሌሉያ ፡ ውዳሴ ፡ ክብሪ ፡ ኣሜን ፡ ኣሜን ፡ ንመድሓኒ
ስግደት ፡ ስልጣን ፡ ምስ ፡ ኩሉ ፡ ክብሪ ፡ ንየሱሰይ ፡ ዝመርሓኒ

፫) ኩነታት ፡ ‘ተጸንከረ ፡ ኩሉ ፡ ተስፋ ፡ ኣይቆርጽን
   የሱስ ፈቃር ፡ መድሓንየይ ፡ ኣብ ፡ ዝፋኑ ፡ ይነብር
   ክንየው ፡ ፈተና ፡ ኤማዕዱ ፡ ርስቲ ፡ ዓወት ፡ ተዳልዩ
   እናፍቕ ፡ ክርኢ ፡ የሱሰይ ፡ ኣብ ፡ ጽዮን ፡ ክኣቱ
             
ተደጋሚ፦ ሃሌሉያ ፡ ውዳሴ ፡ ክብሪ ፡ ኣሜን ፡ ኣሜን ፡ ንመድሓኒ
ስግደት ፡ ስልጣን ፡ ምስ ፡ ኩሉ ፡ ክብሪ ፡ ንየሱሰይ ፡ ዝመርሓኒ