ሓደ ፡ ኽልተ ፡ ኢለ ፡ ኽጽብጽብ (Hade Kelete Ele Ketsebtseb)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ኣብ ፡ ክንዳይ ፡ መሪር ፡ ሞት ፡ ጠዓምካ
ንምድሓነይ ፡ በጃ ፡ ሓለፍካ
ኣብ ፡ ውግአይ ፡ ኴንካኒ ፡ ዋልታ
ኣብ ፡ ፍርሃተይ’ውን ፡ ጸግዐይ ፡ ኢኻ

ተደጋሚ፦ ሓደ ፡ ክልተ ፡ ኢለ ፡ ክጽብጽብ
ኩሉ ፡ ሰናይ ፡ ዝገበርካለይ
ስብሓት ፡ ንስምካ ፡ ይኹን ፡ እብል
ምስጋናኻ ፡ ይመልእ ፡ ልበይ

፪) ከይጠሚ ፡ ከይጸምእ ፡ ብእኽለ ፡ ማይ
ከይዓርቕ ፡ ዝባነይ ፡ ብኽዳን
ከይዝኽትም’ውን ፡ ብሕብረት ፡ ኣሕዋት
ዘዕገብካኒ ፡ ተመስገን ፡ ኣምላክ

ተደጋሚ፦ ሓደ ፡ ክልተ ፡ ኢለ ፡ ክጽብጽብ
ኩሉ ፡ ሰናይ ፡ ዝገበርካለይ
ስብሓት ፡ ንስምካ ፡ ይኹን ፡ እብል
ምስጋናኻ ፡ ይመልእ ፡ ልበይ
 
፫) ኣብ ፡ ዙርያ ፡ ቤተይ ፡ ከም ፡ ሓላዊ
ኣብ ፡ ውሽጢ ፡ ቤተይ ፡ ከም ፡ ወላዲ
ኣብ ፡ ፈተናይ ፡ ዓወት ፡ ወሃቢ
ንተግባር ፡ ኣእዳወይ ፡ ባራኺ

ተደጋሚ፦ ሓደ ፡ ክልተ ፡ ኢለ ፡ ክጽብጽብ
ኩሉ ፡ ሰናይ ፡ ዝገበርካለይ
ስብሓት ፡ ንስምካ ፡ ይኹን ፡ እብል
ምስጋናኻ ፡ ይመልእ ፡ ልበይ

፬) ብኣምላኸይ ፡ እሕጎስ ፡ ኢየ
ብሓጎስ ፡ ሓዘን ፡ ኩሉ ፡ ግዜ
ብፍቓዱ ፡ ኩሉ ፡ ዝሰዶ
ኣሜን ፡ ኢለ’ውን ፡ እቕበሎ

ተደጋሚ፦ ሓደ ፡ ክልተ ፡ ኢለ ፡ ክጽብጽብ
ኩሉ ፡ ሰናይ ፡ ዝገበርካለይ
ስብሓት ፡ ንስምካ ፡ ይኹን ፡ እብል
ምስጋናኻ ፡ ይመልእ ፡ ልበይ

፭) እንታይ ፡ ኣሎ ፡ ዘሕዝነኒ
ኣምላኸይ ፡ ካብ ፡ ዝጓስየኒ
ደጊም ፡ ብጥዑይ ፡ መዝሙር ፡ ደሃይ
አመስግኖ ፡ ንንጉስ ፡ ሰማይ

ተደጋሚ፦ ሓደ ፡ ክልተ ፡ ኢለ ፡ ክጽብጽብ
ኩሉ ፡ ሰናይ ፡ ዝገበርካለይ
ስብሓት ፡ ንስምካ ፡ ይኹን ፡ እብል
ምስጋናኻ ፡ ይመልእ ፡ ልበይ