ቤት ፡ ኣምላኽና ፡ ነፍቅሮ (Biet Amlakhna Nefqro)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ጥዑም ፡ ቃል ፡ ዝዕድል ፡ ሰላም
   ደስ ፡ ዘብል ፡ ሕብረት ፡ ጻድቃን
   ዝረኸብናሉ ፡ ቤት ፡ ኣምላኽ
   ሻላ ፡ ኣይንበል ፡ ኣሕዋት

ተደጋሚ፦ ቤት ፡ ናይ ፡ ኣምላኽና ፡ ነፍቅሮ
ኣብኡ‘ዩ ፡ ሰላም ፡ ዘሎ
ኣሕዋት ፡ ሻላ ፡ ኣይንበሎ
‘ዚ ፡ ዕድል ፡ ከይንስእኖ

፪) ከም ፡ ዳዊት ፡ ‘ናተሓጎስና
   ነንቅድ ፡ ናብ ፡ ቤት ፡ ኣምላኽና
   ኣብኡ ፡ ክንረኽቦ ፡ ንጎይታና
   ክንምለስ ፡ ተሓጒስና

ተደጋሚ፦ ቤት ፡ ናይ ፡ ኣምላኽና ፡ ነፍቅሮ
ኣብኡ‘ዩ ፡ ሰላም ፡ ዘሎ
ኣሕዋት ፡ ሻላ ፡ ኣይንበሎ
‘ዚ ፡ ዕድል ፡ ከይንስእኖ