ብየሱስ ፡ ክርስቶስ ፡ ክነብር (Beyesus Kristos Keneber)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ብየሱስ ፡ ክርስቶስ ፡ ክነብር ፡ ሓርየ
   ብቕኑዕ ፡ ትብዓት ፡ ከገልግሎ’የ
   ብፍታው ፡ ልበይ ፡ ሕጉስ ፡ መንፈሰይ
   ምብሳር ፡ ወንጌል ፡ ኢዩ ፡ ሞጎሰይ

ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ፈቃር ፡ መድሓኒ ፡ ንጉስ ፡ ናይ ፡ ህይወተይ
መታን ፡ ከተድሕነኒ ፡ በጃ ፡ ሓሊፍካለ
ካልእ ፡ ጎይታ ፡ ነይብለይ ፡ ዝፋንካ’ዩ ፡ ልበይ
ንብረተይ ፡ ኩሉ ፡ የሱሰይ ፡ ብኣኻ ፡ ክብረተይ

፪) ብጾር ፡ ሓጥያተይ ፡ ኩሉ ፡ ሕፍረተይ
   በጃይ ፡ ዝሞተ ፡ ተቕጽዔ ፡ ስለይ
   ድምጹ ፡ ሰሚዔ ፡ መስቀል ፡ ኣልዒለ
   ዘገርም ፡ ፍቕሪ ፡ ክስዕቦ ፡ ሓርየ

ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ፈቃር ፡ መድሓኒ ፡ ንጉስ ፡ ናይ ፡ ህይወተይ
መታን ፡ ከተድሕነኒ ፡ በጃ ፡ ሓሊፍካለ
ካልእ ፡ ጎይታ ፡ ነይብለይ ፡ ዝፋንካ’ዩ ፡ ልበይ
ንብረተይ ፡ ኩሉ ፡ የሱሰይ ፡ ብኣኻ ፡ ክብረተይ

፫) ኣብ ፡ ቤት፡ ኣብ ደገ፡ ጽምው ፡ በረኻ
   ቅዱስ ፡ ሥም ፡ የሱስ ፡ ከበስር ፡ ፈትየ
   ስቓይ ፡ መከራ ፡ ሞት ፡ እንተመጸ
   መስቀል ፡ ናይ ፡ ክርስቶስ ፡ ከልዕሎ ፡ ሓርየ

ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ፈቃር ፡ መድሓኒ ፡ ንጉስ ፡ ናይ ፡ ህይወተይ
መታን ፡ ከተድሕነኒ ፡ በጃ ፡ ሓሊፍካለ
ካልእ ፡ ጎይታ ፡ ነይብለይ ፡ ዝፋንካ’ዩ ፡ ልበይ
ንብረተይ ፡ ኩሉ ፡ የሱሰይ ፡ ብኣኻ ፡ ክብረተይ