ኣታ ፡ ሓቀኛ ፡ ዳኛ (Ata Haqegna Dagna)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ኣታ ፡ ሓቀኛ ፡ ዳኛ ፡ ፍትሕኻ ፡ ኣውጽኣለይ
   ሕሱም ፡ ጸላኢ ፡ ነፍሰይ ፡ ምስ ፡ ነደረ ፡ ንኽሰይ
   ዎ ፡ ዘይሰነፍ ፡ ጠበቓ ፡ ባዕልኻ ፡ ደው ፡ በለለይ

፪) ጎይታ ፡ ጸሎተይ ፡ ስማዕ ፡ ቀልጢፍካ ፡ ምለሰለይ
   ብመዓልትታት ፡ ጸበባ ፡ ገጽካ ’ ፡ ይትኸውለለይ
   ዎ ፡ መርሃዊ ፡ ጭኑቓት ፡ ቁሊሕ ፡ በል ፡ ንምርድአይ

፫) ንመብራህተይ ኣድምቆ፡ ጸልማተይ ፡ ኣርሕቐለይ
   ከም ፡ ብዋልታ ፡ ብጸጋ ፡ ኽበባ ፡ ንህይወተይ
   ዎ ፡ ንጉሰይ ፡ ኣምላኸይ ፡ ኣድህበሉ ፡ ጥርዓነይ

፬) ተመስገን ዎ ፡ የሱሰይ ፡ ደሓንኩ ፡ ካብ ፡ ጸላእተይ
   አፍቅረካ’የ ፡ ሓይለይ ፡ ዕርደይ ፡ መናገፍየይ
   ዕዉት ፡ እየ ፡ ምሳኻ ፡ ምሉእ ፡ ‘ውን’ዩ ፡ ሰላመይ